ባይቶ ቱርክ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ን ኣባልነት ፊንላንድ ናብ ኔቶ ኣጽዲቑ። በዚ ድማ፥ ጎረቤት ሽወደን ዝኾነት ኖርዲካዊት ሃገረ
ፊንላንድ፥ ዘድሊ ቅጥዕታት ድሕሪ ምምላእ ኣባል ኔቶ ክትከውን እያ። እንተኾነ ግና ሽወደን ሕጂ’ውን ጒዳያ ክጸንሕ ተጌሩ’ሎ፡
እዚ ጒዳይ ብመንጽር ጸጥታ እንክረአ፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዓብዪ ሽግር ዘኸትል ኣይኮነን ክትብል፥ ኣማኻሪት ናይቲ ኣብ ብራስለስ
ዝመደብሩ “ካርኔጊ ዩሩፕ” ዝኾነት ሮሳ ባልፎር ኣመልኪታ።
“እዚ ጒዳይ ብዙሕ ዘጨንቕ ኣይመስለንን፡ ብቐሊሉ ክዕረ ዝኽእል እዩ። እቲ ውድብ ተዓጻጻፊ እዩ። ፊንላንድ፡ ሽወደንን ኔቶን እውን
ኣዝየን ዝፋለጣ ሃገራትን ውድብን እየን። እዚ ግዜያዊ ዕንቅፋት እዩ፡ ነባሪ ኣይኮነን” ክትብል ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
ቱርክ ካብ 30 ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ንሕቶ ፊንላንድ ዘጽደቐት ናይ መወዳእታ ሃገር ኮይና’ላ። ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ሰሙን
እውን ባይቶ ሃንጋሪ ተመሳሳሊ ምጽዳቕ ምግባሩ ዝዝከር እዩ። ፕረሲደንት ፊንላንድ ኒኒስትሮ፡ ኲለን ኣባል ሃገራት ኔቶ ኣብ መስርሕ
ምምልካት ንዘርኣይኦ ኣዎንታዊ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፡ ሽወደን እውን ብዝቐልጠፈ ኣባል ኔቶ ክትከውን ድሌት ከም ዘለዎ
ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ቱርክን ሃንጋሪን ንሕቶ ሽወደን ናብ ኔቶ መኣስ ከጽድቓ ምዃነን ኣይገለጻን። ሽወደንን ፊንላንድን፡ ቅድሚ ኣስታት ሓደ ዓመት ናብ
ኔቶ ናይ ኣባልነት ሕቶ ምእታወን ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግና፥ ቱርክን ሃንጋሪን ሽወደን ገለ ጠለባተን ብዘይምምላሳ ንሕቶ ኣባልነት
ሽወደን ከም ዘየድምጻ ክገልጻ ጸኒሐን ኣለዋ። ፊንላንድ ምስ ሽወደን ብሓባር ኣባል ኔቶ ምዃን ትመርጽ እኳ እንተነበረት፥ ምስ
ሩስያ ነዊሕ ዶብ ስለዘለዋን፡ ብተዛማዲ ኣብ ዘተሓሳስብ ጸጥታዊ ኲነታት ብምህላዋን፡ ንሽወደን ቀዲማ’ውን እንተኾነ ኣባል ኔቶ
ምዃና ከም ዓብዪ ረብሓ ከም እትርእዮ፥ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።