ካብ ባይቶ ሽቕለትን መጓዓዝያን ዝተዋጽኡ ሽማግለ ኣብ ቅድሚ ሚኒስተራት ብዛዕባ ኣብ ሃገራዊ ኲባንያ ፖስታ ፖስኖርድ ዘጋጠመ ቅልውላው ዛዕባ ኣልዒሎም ክካትዑ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ኣብዚ ኣኼባ ከፈልቲ ግብሪ ዝያዳ ብምክፋል ነዚ ትካል ንምድሓን ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት፥ ከምኡ’ውን ነዚ ኲባንያ ኣብ መንጐ ሽወደንን ደንማርክን ንምምቃሉ ክዝተየሉ እዩ። ብዘይካዚ ኣብዚ ዝህሉ መጠን ስራሕ ብምጒዳል መልእኽቲትት ብዝወሓደ መጠን ስራሕ ዝዝርግሑሉ ኣገባብ ምምሃዝ ኣገዳሲ ድዩ ኣብ ዝብል ዘተ ክኽፈት እዩ። እዚ ኣኼባ ብ CEO, CFO, Ibrahim Bilan, ከምኡውን and ሚኒስተር ምድጅታል Andersh Yaghman ክከታተልዎ ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።
ኣካያዲት ስራሕ ፖስኖርድ Ann Marie መንግስቲ ኣብ እዋን ክራማት ዝህሉ ፖስታ ናይ ምብጻሕ ደረት ናብ 3 መዓልቲ ክውስኖ ሕቶ ኣቕሪባ’ላ። እዚ ኣገባብ ክሳራ ንምውጋድ ክሕግዝ ከም ዝኽእልን እኳ እንተተኸራኸረት ብ ሚኒስተር ሌግማን ተነጺጉ’ሎ። ሌግማን መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ኣገልግሎት ፖስታ እታ ሃገር ተወሳኺ መርመራ ክገብር ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ዴንማርክ ዕድል እዚ ትካል እንታይ ይዂን ኣብ ዝብል ኣብ መንጐ ሰልፊታት ዝነበረ ፖከቲካዊ ቅልስ ምጒህሃሩን ብዙሕ ተኽእሎታት ኣብ ምምርማር ከም ዝርከቡን ተገሊጹ’ሎ። ኣብ መወዳእታ 2017 ፖስኖርድ ዝነበሮ ቅልውላው ንምህዳእ ካብ ሃገራት ሽወደንን ዴንማርክን ምውርላ ምርካቡ ዝፍለጥ እዩ። ኣካያዲ እቲ ስራሕ ናይ ክሳራ ፋይል ብዛዕባ ከእቱ ምሕሳቡ ተሓቲቱ ኣሉታዊ መልሲ ሂብሉ’ሎ።