እዚ ሓድሽ ሃዋህዉ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ግብሪ ክዉዕል ካብ ዝገበሩ ሰልፍታት ሓደ ሰልፊ ሞደራት ኣብዚ ጉዳይ ሓሳቡ ብምቕያሩ ምዃኑ፣ ራዲዮ ሽወደን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሓቢሩ። ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሶሻል ደሞክራትን፣ ተቓዋሚኡ ሰልፊ ሽወደን ደሞክራሲ SD ግን ኣብዚ ጉዳይ ካብ መጀመሪኡ ዝኾነ ሕቶ ዑቕባ ዝተነጽገ ስደተኛ፣ ካብ ሃገር ክወጹ እምበር፣ ብናይ ስራሕ ፍቓድ፣ ኣብ ሃገር ተሪፎም ክነብሩ ከምዘይደገፉ ዝፍለጥ እዩ።
በዚ መሰረት ሰልፊ ሞደራትን መታሓባብርቱን ኣብዚ ጉዳይ ሓሳቦም ስለዝለወጡ እቲ ሕጊ ናብ ዝነበሮ ከምዝምለስን፣ በዚ መሰል እዚ ምጥቃም ብሕጊ ክኽልከል ምዃኑን ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ሕቶ ዑቕበኦም ምስተነጽጉ፣ ኣብ ሽወደን ብመሰል ፍቓድ ስራሕ ጥራይ ክነብሩ ዝኽእል ብልሙድ ኣጻአዋውዓ spårbyte ዝፍለጥ ሕጊ ብሰልፍታት ሞደራት፣ ሰንተርን ሓምላይን፣ ተበግሶ ተወሲዱ ብሕጊ ተፈቒዱ ከምዝጸንሐ ይዝከር።