ኣብ ሽወደን፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ እምነት ስኢኑ ዝወደቐ ልፍንታዊ መንግስቲ ሽወደን ስዒቡ፡ መንግስቲ ንምቛም ዝግበር ዘሎ መስርሕ ፈተነ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ስተፋን ሎቨን፡ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእሎ ደገፍ ረኪበ ኢሉ እማመ ስለዘቕረበ፡ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን፡ ጽባሕ ረቡዕ፡ ድምጺ ንምሃብ ክእከብ ምዃኑ ኣፈኛ ባይቶ ሽወደን ኣዊጁ ኣሎ። ምስ ሓምላይ ሰልፊ ብምዃን መንግስቲ ከቕዉምን ብደገፍ ሰልፊ ቬንስተርን ሰንተርን ከኣ እንዳተደገፈ መንግስቲ ክመርሕ ትጽቢት ይግበር።
ከምዚፍለጥ፡ ነዚ ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ለበዳ ንምስጋር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝተረጋግአ መንግስቲ ዘይምህላዉ ተወሲኽዎ፡ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ሳዕቤናት ንምድሓን፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ሽወደን፡ ንመራሕትን ፖለቲከኛታትን ሰልፍታት ሽወደን ሓላፍነታዉያን ኮይኖም ብልቦና ክንቀሳቐሱ ምሕጽንታ ይቐርቦም ኣሎ።
ሽወደን ኣብ ባይቶ ዓብላሊ ድምጺ ዘሎዎ ሰልፊ ስለዘይብላ ካብ ልፍንቲ ወጻኢ መንግስቲ ክቐዉም ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ይፍለጥ።