ምስክር ውጽኢት መርመራ ኮሮና ከይሓዙ፡ ናብ ሃገረ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ መርመራ ንኽገብሩ ተሓቲቶም ፍቓደኛታት ኣብ ዘይኮኑሉ እዋን፡ ናብቲ ዝመጽዎ ንኽምለሱ ምስ ዝሕበሩን፡ ጸገማት ይፈጥሩልና ኣለዉ ክብል ፖሊስ ዶባት ሽወደን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ዝበዝሑ ኣባላት ኮሚቴ ማሕበራዊ ውሕስነት ባይቶ ሽወደን፡ ነቶም ናብ ሽወደን ክኣትዉ ዝደልዩ ሰባት፡ ኣድላይ እንተድኣ ኮይኑ፡ መርመራ ኮቪድ ንኽገብሩ ዝግድድ እማመ ብመንግስቲ ንኽቐርብ ድልየት ከምዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ።
ብጀካ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ሚልዮፓርትየትን ቬንስተር ፓርትን ካልኦት ሰልፍታት ነዚ ሓሳብ ደገፎም ሂቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን፡ ሞርጋን ዮሃንሰን፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ቅዋም ዘሎ ሕጊ ምቕያር ከምዘየድሊን ብኻልእ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዘለዎን ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ይኹን እምበር፡ እተን ዝተረፋ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ዝኾና ሰልፍታት፡ መንግስቲ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን፡ ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘኽእል እማመ ሒዙ ክቐርብ ከምዘለዎ ሓቢረን ኣለዋ።
ኣድላይ እንተኾይኑ ውን፡ ገለ ለውጥታት ብምግባር፡ ነቶም መምርሒታት ሃገር ዘየኽብሩ ሰባት፡ ፖሊስ፡ ስጉምቲ ክወስደሉ ዘኽእሎ ሕጊ ክህሉ ይግባእ ክብላ እተን ሰልፍታት ገሊጸን።