እዚ ብቐደሙ እዉን ተሪር መስርሕን ቅድመ ኩነትን ዝሓትት ምዉጻእ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሽወደን፣ዝያዳ ከምዘትርር ዝንገረሉ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፣ ንዝተፈላለዩ ኣብ መስርሕ ፈተና ናይ ቃል ማለት (teoriprov) ንምድንጋራት ሓዊስካ ዝተፈላለዩ ጸገማት ክፈትሕ፣ ተባሂሉ ዝወጽእ ዘሎ መምርሒ ምዃኑ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ቃል ፈተና ገርካ ምሕላፍካን ምትራፍካን ከይፈለጥካ፣ ዝግበር ዝነበረ ፈተና ምዝዋር መኪና፣ ተሪፉ ስጋብ ናይ ቃል ፈተና ምሕላፍካ ዝረጋገጽ ፈተና ምዝዋር መኪና ክትገብር፣ እዚ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ከምዘየፍቅድ ተፈሊጡ። እዚ ኸኣ ብተደጋጋሚ ፈተናታት እንዳገበሩ ንትሕዝቶ ፈተና ብዝተፈላለየ መገዲ ብምቕዳሕ ንዝፍጸም ምድንጋር ዘወግድ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ብዘይካ እዚ እቲ ሓድሽ ሕጊ፣ ናይ ቃል ፈተና ምስሓለፍካ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ዘሎ ግዜ ፈተና ምስዝዋር መኪና ክትገብር ዝኽእልን፣ ተርጎምቲ ንዝደልዩ ሰባት ከኣ ዕድላት ክኽፈት ዝብልን ካልኦት ምምሕያሻት ከምዘጠቓልል፣ ይንገር። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እዚ ተረቒቑ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ ብመንግስቲ ምስጸደቐ፣ ኣብ ወርሒ ሰለስተ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ስራሕ ከምዝዉዕል ተሓቢሩ።