ኣብ ኣቕሑ ግሮሰሪ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት፡ ካብ ዝመጽእ ጽድያ ኣትሒዙ ክዕገት ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ትንቢት ዋጋታት፥ ሬድዮ
ሽወደን ካብ ዘዘራረበቶም ባንካታት “SBAB”፡ “ኖርዲያ” ን “ስዊድባንክ” ን እተረኽበ እዩ። ኣብ “ኖርዲያ” ሓላፊ ትንተና
ቶቢያን ኢዛክሰን፥ ኣብዚ ግዜ ዝረኽብዎ ዘለዉ ሓፈሻዊ ስእሊ፡ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት መግቢ ደው ክብል ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ዋጋ
ገለ ትሕዝቶታት ግሮሰሪታት ክንኪ ከም ዝኽእል ዝሕብር ምዃኑ ኣመልኪቱ። ኣብ ዋጋታት ኣሕምልቲ፡ ውጽኢት ጸባን ሕብስቲን
ዝጸንሐ ወሰኽ ዋጋ፥ ብምኽንያት ክብሪ ድዂዒ፡ ጸዓትን መግቢ ጥሪትን ዝተኸስተ እዩ ክብል ኣይዛክ ወሲኹ ኣረዲኡ። እንተኾነ
ግና ዋጋ ድዂዒ፥ ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣትሒዙ ናይ 15% ምጒዳል ዋጋ ኣርእዩ’ሎ።
ዋና ክኢላ ቊጠባ ባንክ SBAB ሮበርት ቡያ ብወገኑ፥ ዋጋ ገለ ኣቕሑ ኣብ ዝመጽእ ኣጸቢቑ ክጎድል ከም ዝኽእል ተነብዩ’ሎ።