ባሻር ኣልኣሳድ፡ ንራብዓይ ግዜኡ ፕረሲደንት እታ ሃገር ንምዃን ዘኽእሎ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ከም እተዓወተ ተገሊጹ።
ኣፈኛ ባይቶ ሶርያ፡ ሓሙዳ ሳባቕ፡ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ምድላው፡ ኣሳድ፡ ብ 95.1% ምዕዋቱ ገሊጻ’ላ። ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ሶርያ 78.6% ኣብዚ ምርጫ ምስታፉ፡ ሓሙዳ፡ ወሲኻ ገሊጻ። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ፡ መወዳድርቱ ዓብደላ ሳሉምን መሓመድ ማሪን ብተኸታታሊ 1.5% ከምኡውን 3.3% ድምጺ ረኺቦም ኣለዉ።
ተቓወምቲ ኣሳድ፡ እዚ ምርጫ፡ ዓሎቅ ዝመልኦ እዩ ብምባል ነጺጎሞ ኣለዉ። ብረቡዕ ካርዱ ኣብ ሳንዱቕ ምርጫ ዘእተወ ኣሳድ፡ ምዕራባውያን ዝበሉ እንተበሉ ቅጭጭ ከም ዘይብሎ ምግላጹ፡ ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። እዚ ምርጫ፡ ኣብቲ ሶርያ እትቈጻጸሮ ከባቢታት፡ ኣብ ወጻኢ ድማ፡ ኣብ ኤምባሲታት እዩ ተኻዪዱ።
ኣብታ ብተቓውምቲ ተታሒዛ እትርከብ ከተማ ኢድሊብ፡ ነዚ ውጽኢት ምርጫ ብምቅዋም፡ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ተጌሩ’ሎ። ኣፈኛ ኮሚሽን ዘተ ሶርያ፡ ያሕያ ኣልዓሪዲ፡ እዚ ምርጫን ውጽኢቱን፡ ኣሳድ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ዘለዎ ንዕቀት ዘርኢ እዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፥ ጀርመን፥ ጣልያን፥ ብሪጣንያን ኣመሪካን ነዚ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ኣይኮነን በዚ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ ክብሉ ከም ዝነጸግዎ ተፈሊጡ።
55 ዝዕድሜኡ ኣሳድ፡ ካብ 2000 ጀሚሩ ን 21 ዓመታት ነታ ሃገር ክመርሕ ጸኒሑ’ሎ። ሶርያ ንዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመት ብዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድ 388 ሽሕ ሰባት ምሟቶምን ክሳብ 6 ሚልዮን ዝበጽሑ ድማ ንስደት ከም እተቓልዑን ዝፍለጥ እዩ።