ብ ቫይረስ ኢምዩኖደፊሸንሲ ሕክምና ዲኤንኤ ካብ እተገብረሎም 50 ህጻናት እቶም 48 ሕማም ናይ ምክልኻል ባህርያዊ ዕቕሚ ከማዕብሉ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ሓበሬታ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ መጽሔት ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦቭ መዲሲን ከምኡውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ American Society of Gene & Cell Therapy Conference ቀሪቡ ኣሎ። “ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ቀታሊ ዝኾነ ቫይረስ ተጠቒምና ነዞም ህጻናት ኣድሒንናዮም ኣሎና” ክብል ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ሓኪም ሆስፒታል ህጻናት ዶናልድ ኮን ገሊጹሎ። እቶም በዚ ኣገባብ ዘይሓወዩ ህጻናት ናይ ኣንጉዕ ኣዕጽምቲ ሕክምና ይግበረሎም ከም ዘሎ ቢቢሲ ወሲኻ ሓቢራ።