ፈረንሳዊ ፖለቲከኛን ቢልዮኔርን፡ ኦሊቭዬር ዳሰልት፡ ብምኽንያት ሓደጋ ሄሊኮፕተር ምሟቱ ምንጭታት ባይቶ እታ ሃገር ኣመልኪቶም። ዳሰልት፡ ብናይ ውልቁ ሄሊኮፕተር ክዘናጋዕ ናብ ዞባ ኖርማንዲ እናኸደ ብዘጋጠመ ምሕምሻሽ፡ እዩ ሞይቱ ክብሉ ምንጪታት ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።
ፕረሲደንት ፈረንሳ፡ ኢማኑኤል ማርኮን፡ ኣብ ዝሰደዶ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ደሳልት ደኺመ ከይበለ ንሃገሩ ዘገልገለ ሰብ እዩ ኔሩ፡ ሞቱ፡ ንፈረንሳ ዓብዪ ክሳራ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ኣብታ ሄሊኮፕተር፡ ንሱን መራሕ’ታ ሄሊኮፕተርን ጥራይ ምንባሮምን እቲ ፓይሎት እውን ምሟቱ ናይ ቀረባ ምንጪታት ሓቢሮም።
ደሳልት፡ ቦኽሪ ወዲ ፈረንሳዊ ቢልየኔር፡ ኢንዳስትሪ ሰርግ ደሳልት፡ እዩ። እዚ ስድራ ቤት፡ ኣብ ምፍራይ ነፈርቲ ዝተዋፈረ ኮይኑ፡ ጋዜጣ ለ ፊጋሮ እውን ከም ዝውንን ይፍለጥ።
ብ 6 ቢልዮን ዩሮ ዝግመት ሃብቲ፡ ደሳልትን ኣሕዋቱን ኣብ ዓለምና መበል 361 ዝሃብተሙ ስድራቤት ምዃኖም ጸብጻባት የመልክቱ።