ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ሽዱሽተ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ: ናብ ጎዳጒዲ መዐደኒ ወርቂ ድሕሪ ምእታዎም፤ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ምፍራስ ናይቲ ጉድጓድ: ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ካልኦት ሸውዓተ ድማ ፖሊስ ብዝተኮስሎም ዘንብዕ ጋዝ ከም እተጎድኡ ቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብቲ ማእከል ዕደና ዝነበሩ ተሽከርከርቲ: በዞም ዘይሕጋውያን ሰባት ምዕናዎም: ተቐማጦ እቲ ከባቢ ንፖሊስ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ቡርኪና ፋሶ: ዘይሕጋዊ ዕደና ልሙድ ምዃኑን: መንግስቲ: ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ንምቅላዕ፤ ህዝባዊ ምትሕብባር ንኽህሉ ጻውዒት ክገብር ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።