ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብቲ ኣብ 1987 ዝተፈጸመ ቅትለት መራሒ እታ ሃገር ነበር ቶማስ ሳንካራ ተሓባቢሩ ዝተባህለ ፕረዚደንት ነበር ብለይዝ ኮምፓዎሬ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕጻዕ ወሲኑ፡፡
ኣብ ስደት ዝርከብ ኮምፓዎሬ፡ ኣብዘየለሉ እዩ እቲ ብይን ተዋሂብዎ ዘሎ፡፡
ሓላፊ ድሕነት ዝነበረ ህያሲንተ ካፋንዶ እውን ብተመሳሳሊ ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣሎ፡፡
ገስጋሲ ማርክሲስት ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ ኣብ 1987 እዩ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኡጋድጉ ብዕጡቓት ተቐቲሉ፡፡
ድሕሪኡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ኮምፓወሬ ድማ ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ክሳብ ዝተኣለየሉ እዋን ን27 ዓመታት ንቡርኪናፋሶ መሪሕዋ፡፡
ቶማስ ሳንካራ መን እዩ?
እቲ ኣፍሪቃዊ ቸ ጔቬራ ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣዝዩ ግኑን መራሒ ቡርኲናፋሶ ዝነበረ ኮይኑ፡ ከምሓደ መለኮታዊ ባእታ
BBC TIGRINJA