ኣብ መፋርቕ ሳመር፡ ብ ስትሮውበሪ ምብዓል ኣብ ሽወደን ልሙድ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ፡ ኣፍረይቲ ስትሮውበሪ ፍርያቶም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ናብ ዕዳጋ ንምብጻሕ፡ ኣብ ተሸብሸብ ተኣንጎት ምህላዎም፡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።. ኣብ ሶደርተልየ (ደቡብ ስቶክሆልም) ዝቕመጣ፡ ካሮሊናን ብጾታን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበራኦ ቃለ-መሕትት፡ ኣብ መዓልቲ ሽዱሽተ ሰዓታት እናሰርሓ፡ 14 ሽሕ ፍረታት ስትሮውበሪ ንኽሓፍሳ ይጽዕታ ምህላወን ገሊጸን። ብማእከላይ ገምጋም፡ ሓደ ሽወደናዊ ኣብ ዓመት 2 ኪሎ ግራም ከም ዘህልኽ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ድማ ብደረጃ ሽወደን ብጠቕላላ 20 ሚልዮን ኪሎግራም ምዃኑ እዩ—ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ።