በዓልቲ ቤት ልኡል ዱባይ ልእልቲ ሃያ ሑሴን ካብ ሰብኣያ ብምህዳም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ለንደን ተሓቢኣ ምህላዋ ተገሊጹ። ወዲ 69 ዓመት በዓል ቤታ ቢልዮነር ሸኽ መሓመድ፡ ድሕር’ቲ ፍጻመ ንሓንቲ መንነታ ዘይገለጻ “ከዳዕ” ዝበላ ሰበይቲ ዝገልጽ ቍጠዐ ዘለዎ ግጥሚ ኣብ ኢኒስተግራም ዘርጊሑ ኣሎ። እታ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተወልደት 45 ዓመት ዝዕድመኣ ልእልቲ ሃያ፡ ኣብ 2004 እያ ምስ’ቲ ልኡል ተመርዕያ። ንሳ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ 107 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዝዋጋኡ ገዛ እያ ክትነብር ጸኒሓ።
ልእልቲ ሃያ ስለምንታይ ካብ ሰብኣያ ከምዝሃደመት ብንጹር ኣይተፈልጠን ዘሎ። ምናልባት ግን እቲ ጉዳይ ምስታ ኣቐዲማ ክትሃድም ዝፈተነትን ድሒራ ዝተታሕዘትን ኣባል እቲ ቤተሰብ ሸኽ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት። ልእልቲ ሃያ ካብ ለንደን ተጨውያ ከይትውሰድ ስግኣት ከምዘለዋ’ያ ትዛረብ። ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ለንደን ብወገኑ እቲ ጉዳይ “ናይ ውልቀ ሰብ’ዩ” ብምባል ርእይቶ ኣይሃበን።