ኤጀንሲ ዕዮ ሽወደን ሰባት ስራሕ ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ጃብቴክ ናይ ቴክኖሎጂ ኣፕሊኬሽን ንምድላው ዓመታዊ 40 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ከም ዝገብር፡ እንተኾነ ግና እዞም ኣፕሊኬሽናት ስሉጣትን ውጽኢታውያንን ከም ዘይኰኑ ጸብጻብ ተሌቪዥን ሽወደን ኣመልኪቱ። ንኣብነት ኣብ 2016 እቲ በዓልመዚ ደለይቲ ስራሕ ብመንገዲ “ዲጂታል ጃብ ማቺንግ ሲስተም” ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን እዞም ጥርዓናት ናብ ፕላትስባንከን ዝተባህለ ኣፕሊኬሽን ክጥርነፉን ምዃኖም ይንገር ኔሩ’ዩ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት እዚ ማዕከን ስራሕ ስራሕ ክጅምር ምዃኑ’ውን ገሊጹ ኔሩ። ኣብ ዓመተ 2018 እዚ ኣገልግሎት ኦቶማቲል ኣፕሊኬሽን ምትእትታዉን ደለይቲ ስራሕ ኣበይ ቦታ እንታይ ዓይነት ስራሕ ምህላዉ ንምድላይ ክሕግዞም እዩ ተባሂሉ ኔሩ። እንተኾነ ግና እዞም ኣፕሊኬሽናት ድስኩላትን ከም “ጃብስቶር” ዓይነት ኣካይዳ ከም ዘይብሎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ዳይረክተር ጃብቴክ ጎልዲንግ ግሬጎሪ ግና ንቴሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል” እዚ ምንም የለን ዝበሃል ዘረባ ኣይኣምኖን እየ” ኢሉ’ሎ። ንሱ ካልእ ገዲፍና በዓልመዚ ዕዮ ን ፕላስትባንከን ሓደስቲ ዕድላት ስራሕ ብምልጣፍ እዩ ኣማዕቢልዎ ክብል ድማ ወሲኹ ገሊጹ። ብዝተረፈ ንሱ ቅድሚ ማናጀር ምዃኑ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ነገራት ኣፍልጦ ከም ዘይብሉ ወሲኹ ኣብርሁ’ሎ።