ጀርመን ኣብ ዘካየደቶ ሃገራዊ ምርጫ: ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ (SPD) ምዕዋቱ ብሰኑይ ድሕሪ ዝተኻየደ ኣፈናዊ ውጽኢት ከም እተገልጸ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ሕጽይቲ እዚ ሰልፊ ዝኾነት ፍራንቺስካ ጂፍሪ ከንቲባ በርሊን ክትከውን እያ።
ጂፍሪ: ነቲ ኣብ ውድድር ከም ዘይሳተፍ ዘፍለጠ ኣባል ሰልፋ: ሚካኤል ሙለር: ተኪኣ እያ ነዚ መዝነት ክትቅበል። ኣብ እዋን መሪሕነት ኣንገላ መርከል: ሚኒስተር ስድራቤት ኮይና እኳ እንተገልገለት ናይ ዶክተርነት ማዓርጋ: ቀዲሓ ከም ዝረከበቶ ድሕሪ ዝቐረበላ ክሲ: ዝሓለፈ ግንቦት ስልጣና ሓዲጋ ምንባራ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ምርጫ: ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ: 21.4% ድምጺ ምዕዋቱ ተገሊጹ’ሎ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2016 ዝተረኽበ ናይ 21.6% ውጽኢት እንክወዳደር ዝለዓለ እዩ። ሓምለዋይ ሰልፊ እውን ካብቲ ዝጸንሖ ናይ 15.2% ክብ ብምባል 18.9% ረኺቡ እዩ። ጸጋማይ ክንፊ ዝኾነ ዴ ሊንከ ካብ ናይ ዝሓለፈ ውድድር ለጠቕ ኢሉ 14% ረኺቡ’ሎ።