እቲ SL እተባህለ ናይ ስቶክሆልም ኩባንያ መጎዓዝያ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ብዝሒ ተሳፈርቱ
ብኽልተ-ሲሶ ከም ዝጎደለ ገሊጹ። ኩባንያ SL ነቶም ብኣውቶቡስ ምጕዓዝ ዘቋረጹዎ ተሳፈርቲ ብምምስጋን ክቕጽሉ ይላቦ።
“ንሕና ካብ ጽቕጥቅጥ ንምድሓን ናይ ህዝባዊ ክንክን ጥዕና መምርሒታት ከነተግብር ይኸብደና
እዩ፡ ስለዚ እቲ ተሳፋሪ ባዕሉ ነቲ ምዝርጋሕ ለበዳ ንምግታእ ዚወስዶ ዘሎ ናይ ባህርይ ለውጢ
ነመስግኖ” ይብል ፍሪድሪሽ ቦርክማን፡ ናይቲ ኩባንያ ሓላፊ።
እታ ኩባንያ በቲ መጎዓዝያታት ብምጕዳል ዝሰዓበ ናይ ተሳፈርቲ ጽቕጥቅጥ ተወቒሳ ብምንባራ፡ እዚ ሽግር ብሰንኪ ምጕዳል ኣውቶቡሳትን ብሰንኪ ሕጽረት መራሕቲ ኣውቶቡሳት ሙኻኑ ገሊጹ።
እታ ኩባንያ፡ ናይ ኮሮና ለበዳ ንምቕናስ፡ ተጎዓዝቲ ህዝባዊ መጎዓዝያ ምዝውታር ኪቕንሱ ብማለት
ኣብ ኩሉ መገድታት ፖስተራት ምልጣፉ ይፍለጥ።