ፖሊስ ሽወደን ንዓመት መመላእታ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝርከቡ፥ ቋንቋ ሩስያ ዝዛረቡ መርበባት ገበንን ንጥፈታቶምን፥ ሚስጥራዊ
ክትትል ክገብሩ ምጽንሖም ሬድዮ ሽወደን P3 ጸብጺባ። እዞም መርበባት ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብናይ ሓሶት መርዓ ናብ
ሽወደን ብምእታው፥ ኣብ መዝገብ ህዝቢ ሽወደን ክሰፍሩን ሕሳብ ባንክ ንክኸፍቱን ክተሓባበሩ ምጽንሖም፥ ሰብመዚ ሽወደን
ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት ጸኒሖም ንዓዶም ኣብ ዝምለሱሉ እዋን፡ እቲ መርበብ ገበን ኣስማት እዞም ሰባት ብምጥቃም ካብ
ስርዓተ ድሕነት ሽወደን ገንዘብ ክወስዱን ዘይሕጋዊ ስግግር ገንዘብ ክገብሩን ምጽንሖም፥ እቶም ሰብመዚ ኣጣሊሎም ኣለዉ።
ምስዚ ገበን ብዝተተሓሓዘ ዛጊት ክልተ ጒዳያት ብዓቃቢ ሕጊ ይረኣዩ ምህላዎም፥ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣባል እዚ
መርበብ ገበን ዝኾኑ ክልተ ሰብኡት፥ ብኣጠቓላሊ ክሳብ 180 ሚልዮን ክሮና ብምጥፍፋእ ተኸሲሶም ምህላዎም እታ ሬድዮ
ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።