ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣሸጋሪ ቊጠባዊ ኲነታት ንዘለዉ ኲባንያታት ሰራሕተኛታ ካብ ምጒዳል መኣን ክድሕኑ ተባሂሉ ሓደ ማዕከን ገንዘብ ተመዲቡ ኔሩ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ብርክት ዝበላ ኲባንያታት ሒደት ወይ ብምሉኡ እቲ ገንዘብ ክመልሱ ከም እተነግሮምን፡ እዚ ድማ 14000 ጥርዓናት ናብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ክቐርብ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉን ሬድዮ ሽውደን ኣመልኪታ። ብዙሓት ኣቐረብቲ ጥርዓን፡ ሕቶኦም እንከቕርቡ ጠለባቶም ኣዝዮም ኣጋኒኖም ገሚቶሞ ኔሮም እዮም፡ ክብል ነዚ ጥርዓናት ዝፈቐደ ኤጀንሲ “ቲልያጽትቨርከት” ሓቢሩ’ሎ።