ምስ ወርሒ ግንቦት ዝነበረ ዕቤት እንክነጻጸር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ሽወደን ብ 0.6% ምዕባዩ ካብ
ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። እዚ ካብቲ ትጽቢት እተገብረሉ ዝፈጠነ ዕቤት ምዃኑ እቲ
ስታቲስቲክስ ኣረዲኡ’ሎ።
ኣብ ፈለማ ርብዓዊ ዓመት ዝደኸመ ቊጠባ ስለዝነበረና ወሰኽ ክህሉ ተጸቢና ኔርና ኢና፡ እንተኾነ ግና "እዚ ኣሃዝ ካብቲ ትጽቢት
ዝገበርናሉ ዝለዓለን ዝበለጸን እዩ" ክብል ዋን ክኢላ ስነቊጠባ ኣብ SEB ሀንስ ማግኑሰን ገሊጹ’ሎ።