ሊባኖስ: ኣብ ዓብዪ ፋይናንሳዊን ቊጠባዊን ምንቊልቋል ተሸሚማ ምህላዋ ተገሊጹ። ባጤራ እታ ሃገር 85%: ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ምጒዳሉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: እቲ ኲነታት ከምዚ እንተቐጺሉ: ዝበዝሐ ህዝቢ ሊባኖስ ናብ ድኽነት ክኣቱ እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ከም ኲሉ ካልእ ነገራት: መግቢ እውን ዋጋኡ ሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ: ዋጋ መድሃኒት ኣብ ልዕሊ ምውሳኹ ይሰኣን እውን ምህላዉ: ወኪል ቢቢሲ ምስ ሊባኖሳዊ ነርስ: ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣረጋጊጹ። እዚ ኣብ ሆስፒታል ቤይሩት ዝሰርሕ ነርስ: ዶሞዙ ብመጠን ሸርፊ ወጻኢ ክሳብ 2000 ዶላር ይበጽሕ ከም ዝነበረ እንተኾነ እዚ መጠን ገንዘብ ሕጂ ዋጋኡ ኣመና ብምንቊልቋሉ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ዝነብሮ ዝነበረ ህይወት: ጽውጽዋይ ኮይኑ ከም ዝስምዖ ይገልጽ።
“ሊባኖስ ኣብ ዓሚቚ ቊጠባዊ ቅልውላው እያ ተሸሚማ ዘላ። ዋጋታት ኣቕሑ በብመዓልቱ ይውስኽ ኣሎ። እዛ ዘይቲ: ዋጋኣ 60 ሽሕ ፓውንድ ሊባኖስ እዩ። ዝገርመካ ትማሊ 50 ሽሕ ፓውንድ እያ ትሽየጥ ኔራ። ስጋ መዓልታዊ ዝበልዑ ዝነበሩ ስድራቤታት በዚ ሕጂ ዘሎ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ጥራይ እዮም ክበልዑ ዝኽእሉ። “ዘሎ ኲነታት ተስፋ ዘቚርጽ እዩ፥ ሊባኖስ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ እያ ኮይና ዘላ” ክብል ድማ ተስፋኡ ካብ ስደት ምዃኑ ገሊጹ።