ኣብ ምምሕዳር ሺል (Kil) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ሳነሩድስኩላን (Sannerudsskolan)፡ ኣብ መንደቕ ናይ ሽቓቕ፡ ንጽባሕ ዓርቢ ዕለት 25 መስከረም፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ናይ ቶኽሲ ፍጻሜ ክህሉ እዩ ዝብል ጽሑፍ ትማሊ ኣብ እዋን ምሳሕ ከምተረኽበን፡ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዘሎን ሓላፊ’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ፓትሪክ ባክማን ን SVT ሓቢሩ።
ምምሕዳር’ታ ቤት ትምህርቲ፡ ነቲ ፍጻሜ ኣመልኪታ ንፖሊስ ከምዝሓበረን፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ንተማሃሮን ወለድን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ገሊጹ።
ጽባሕ ዓርቢ፡ ትምህርቲ ከምቲ ልሙድ ክቕጽል፡ ዝኣትውን ዝወጽእን ኣካል ንምቁጽጻር ሓደ ኣፍደገ ጥራይ ክጥቀሙን ተወሰኽቲ ዋርድያ ክህልዉ ምዃኖም፡ ባክማን ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ የካቲት ውን ተመሳሳሊ መፈራርሂ ጽሑፍ ተጻሒፉ ምንባሩ ይዝከር። እዚ ከምዚ ዓይነት ጉዳይ፡ ብጣዕሚ ኣሰካፍን ሓደገኛን እዩ። እቲ ምፍርራህ፡ ሓቀኛ ወይ ድማ ንዋዛ ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሕና ግን ብዕቱብ ንከታተሎ ኣለና። ይኹን እምበር፡ ጽባሕ ዓርቢ፡ ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ክሰዱ ዘይደልዩ ወለዲ ኣለዉ ክብል ባክማን ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ፖሊስን ምምሕዳር ቤት ትምህርትን ቀጻሊ ዘተ ይካየድ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ናይ መፈራርሂ ጽሑፋት፡ ብዕቱብነት ክተሓዝ ኣለዎ ክትብል፡ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ላሻ ሂዲሊን፡ ገሊጻ።