ቆንስል ከተማ ዮተበሪ 100 ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ሓደስቲ ስድራቤታት ስደተኛታት ብምዕዳም፥ ህጻናት ደቆም ቅድመ-ትምህርቲ
ብኸመይ ክከታተሉ ከም ዝግባእ ሓበሬታ ክህቦም እኳ እንተጸውዐ፥ ኣብቲ ዕድመ ማንም ከም ዘይተረኽበ ኣገልግሎት ዜና SVT
ጸብጺባ። ምምሕዳራት ከተማ ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዘን ካብ 3-5 ዝዕድሜኦምን ናብ ቅድመ ትምህርቲ ገና ዘይኣተዉን
ቆልዑ ንዘለዉዎም ስድራቤታት ኣመልኪተን ጻውዒት ክገብራ ይግደዳ እየን።
“ደቀይ ዝወስዱለይ መሲሉኒ ፈሪሀ እየ ኔረ” ናድያ ዝስማ ኣደ ክልተ ቆልዑ ን ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ’ላ።