“ቆንስል ሓጋጊ ኣካል” እገዳ ተሳትፎ ግብረሸበራ ኣመልኪቱ ብመንግስቲ ንዝወጸ እማመ ነቒፍዎ። በዚ ኣካይዳ ሕጊ ካብ መጠን
ንላዕሊ ብዙሕ ጒዳያት ገበናዊ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎ ክብል እዩ እቲ ቆንስል ተቓውሞኡ ገሊጹ ዘሎ። ብመሰረት እቲ እማመ
ንግብረሽበራዊ ጒጅለ ናውቱ ምዕቃብ፡ ኣኼባታት ከም ዝዳለወሉ ምግባርን ምኽሻንን ኲሎም ኣብ ግረሽበራዊ ንጥፈት ምስታፍ
ጌሮም ዝሕሰቡ እዮም።
ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ናይቲ ቆንስል ግብርመልሲ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ጒዳይ
ክደፍኣሉ ከም ዝደሊ” ገሊጹ’ሎ።.