ቆራጽ ውሳነ ኣብ ዘድልዮ ጒዳያት፥ ደቀንስትዮ ካብ ተኽሎታት መኽሰብ ብዝያዳ ክሳራ ስለ ዝረእየን፥ ዕድላት ከም ዘምልጠን ሓደ
መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። ኣብ ጒዳያት ንግድን ዋኒንን ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ትስፉውነት ከም ዘርእዩ፡ በዚ ድማ ቆራጽ
ውሳነ ኣብ ዘድልዮ ጒዳያት ካብ ሓደጋ ንላዕሊ ዕድላት ከም ዝረኣዮምን፡ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ኣብዚ ከም ዝነጥፉን ነዚ
መጽናዕቲ ዘሕተመ “ብሪቲሽ ጆርናል ኦቭ ሳይኮሎጂ' ብሰፊሑ ተንቲኑ’ሎ። እዚ መጽናዕቲ ኣብ ብርክት ዝበሉ ጽላታት ዕዳጋ
ፋይናንስን ሽቕለትን ጠቓሚ እዩ ክብል፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባዝ ክፍሊ ትምህርቲ ማኔጅመንት ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ንግድ ዝኾነ ክሪስ
ዳውሰን ገሊጹ’ሎ።
'ደቀንስትዮ ኣብ ወፍሪን ልዑል ደሞዝን ዝሓትት ዕዮ ዘይንረኽበን በዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ። ይዂንምበር ደቀንስትዮ
ኣብ ዋኒን ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋታት ምብዳህ ስለምንታይ ከም ዝፈርሃ ዛጊት ዘጣለልናዮ ምኽንያት የለን” ክብል ክሪስ ወሲኹ
ገሊጹ’ሎ።
ካብ ሓደጋ ሓሊፍካ መኽሰብካ ምድንፋዕ፥ ደቀንስትዮ ዘሎካ ብጥንቃቐ ዓቂብካ ቀስ እናበልካ ምህብታም ከም ዝመርጻን እቲ
መጽናዕቲ ኣርእዩ’ሎ። ዶ/ር ዳውሰን ነዚ መጽናዕቲ ንምክያድ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ “Household Panel Survey” ናይ
13,575 ቢዝነሳት ታሪኽ ምምርማሩ ኣመልኪቱ’ሎ።