ካብ መድሃልቲ ክከላኸለሎም ብምባል፡ ናብ ውድብ “ፍሬንድስ” ዘመልከቱ ቆልዑ፥ ኢሜይሎምን ቊጽሪ ተሌፎኖምን ናብ
ማሕበራዊ ሚድያ ቲክቶክ ከም እተላእከ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ብ ዓሌትነትን ጾታዊ ምድፋርን ከቢድ መድሃልቲ ዝበጽሖም ኮተቴ፥
ናብ ውድብ “ፍሬንድስ” ብኦንላይን ብዛዕባ ጒዳዮም ብምሕባር ሓገዝ ከም ዝሓቱ ዝፍለጥ እዩ።
"ፍሬንድስ ዝእመን ውድብ ኣይኮነን። ንሕና ካብ መድሃልቲ ክከላኸሉልና ኢልና ዝለኣኽናዮ ኣድራሻታታ ናብ ቲክቶክ ምልኣኾም
ቅቡል ኣይኮነን፥ ቲክቶክ ምስዚ እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ” ክትብል ኮተቴ ያስሚን ሻምኦን ትገልጽ። ካልእ ዳሚል ዋርሲ ዝተባህለ
ኮተቴ ብወገኑ፥ ናብ ከምዚ ዓይነት ውድብ ስምካ ሓቢእካ ቀሪብካ ክንስኻ፡ መጠቀሚ ቲክቶክ ክገብሩካ ዘሕዝን እዩ ክብል
ቅሬትኡ ገሊጹ’ሎ።
ሬድዮ ሽወደን ብዛዕባዚ ን ፍሬንድስ ድሕሪ ምውካሳ፥ እቲ ውድብ ናይ ብሕታውነት መሰሉ ክሕለወሉ ናብ “ሃገራዊ ኤጀንሲ
ምክልኻል ብሕታውነት” ምምልካቱ ተፈሊጡ’ሎ።