ክሳብ ቀረባ እዋን፡ ቆልዑ፡ ኣብ ምምሕልላፍ እዚ ሕማም ብዛዕባ ዘለዎም ተራ ኣከራኻሪ ሓበሬታታት ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ገለ ሓካይም ናህሪ ለበዳ ንምውጋድ ህጻናት ናይ ኣፍ ማስክ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል መጐተ ከቕርቡ ምጽንሖም ገሊጹ።
ቆልዑ፡ ቫይረስ ኮሮና ኣየማሓላልፉን እዮም፡ ወይ ድማ እቲ ንሳቶም ዘውርድዎ መጠን ምስፍሕፋሕ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ ክብሉ ሓካይም ፊንላንድ ገሊጾም። ንሳቶም ኣብ ልዕሊ 11 ሽሕ ቆልዑ ድሕሪ ዝገበርዎ መርመራ፡ ሓሙሽተ ጥራይ (ማለት 0.045%) ከም እተታሕዙ ምርግጋጾምን በዚ ድማ ቈልዑ ኣብ ምትሕልላፍ እዚ ሕማም ዝተሓተ ተራ ከም ዝጻወቱ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል መርበብ ሓበሬታ SPT ሓቢሩ።
ነዚ ምርምር ዘካየደ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንኪ ክኢላ ስነመድሃኒት፡ ሃሪ ሳክሰን እዩ። ንሱ ካብ 0-5 ኣብ ዝዕድሜኦም 6000 ህጻናትን ካብ 5-10 ዝዕድሚኦም ቆልዑን ድሕሪ ዝገበሮ መርመራ እዩ ኣብዚ መደምደምታ ምብጽሑ ዝንገር ዘሎ። ካብቶም ትሕቲ 6 ዝዕድሜኦም ህጻናት 4፡ ካብቶም ክሳብ 10 ዝዕድሜኦም ቆልዑ ድማ ሓደ ጥራይ ዝተለኽፈ ምርካቡ ገሊጹ። ኣብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ መዋእለ ህጻናት፡ ኮሮና ቫይረስ ቀንዲ ከስፋሕፋሓሎም ዝኽእሉ ቦታታት ብምባል ተገሚቶም ምንባሮም ይዝከር። እንተኾነ፡ እዚ ጌጋ ርድኢት ምንባሩን ዳርጋ ኩሉ ለበዳታት እዚ ሕማም ብዓበይቲ ሰባት ዝፍጸም ምዃኑ ተረጋጊጹ። እቲ ቁምነገር ናይዚ ሓድሽ ምርምር፡ መውዓሊ ህጻናት (ኪንደርጋርተን)፡ ምንጪ ለበዳ ኮሮና ጌርካ ምውሳድ ጌጋ ምዃኑ ምርግጋጹ እዩ ክብል ሳክሶን ሓቢሩ።
እንተኾነ ግና ኣብ ቈልዑ መርመራ ምግባር ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ ይብል ሳክሰን። ዋጋ ሓደ መርመር ክሳብ 150 ዩሮ ወጻኢ እዩ ዝሓትት። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ንመርመራ ቆልዑ ተባሂሉ፡ ብሚልዮናት ዩሮ ዝግመት ወጻኢ ምግባሮም ድማ ከም መርኣያ ናይዚ ክብሪ መርመራ ብምቕራቡ ኣብቲ ኣጋጣሚ 5 ቆልዑ ጥራይ ዝተለኽፉ ምጽንሖም ሳክሶን ሓቢሩ።