ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዛዕባ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ ንኣዋርሕ ክኽሕድ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሓሙስ 24/02/22 ወጋሕታ ግን ‘ፍሉይ’ ብዝበሎ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ንዞባ ዶንባስ ዩክሬን ምውቃዕ ከም ዝተጀመረ ገሊጹ። እዚ፡ ብተለቪዥን ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብ ኪየቭ ርእሰ ከተማ ዩክሬንን ካልኦት ከባቢታት ዝተኻየደ ደብዳብ እዩ ኣሰንይዎ።
ውሳነ ፕረሲደንት ፑቲን፡ ‘ሰላም ንምምላስ’ ብዝብል እዩ ነቲ ተበጺሑ ዝጸንሐ ውዕል ሰላም ጥሒሱ፡ ወተሃደራቱ ናብቲ ብተቓወምቲ ዩክሬን ዘተታሕዘ ምብራቓዊ ዞባ ክንቀሳቐሱ ኣዚዙ ዘሎ።
ሩስያ፡ ካብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣትሒዛ ብውሕዱ 200,000 ዝዀኑ ወተሃደራታ ናብ ዶባት ዩክሬን ከተጸግዕ ጸኒሓ እያ። እዚ ኸኣ፡ ‘ቀዳማይ ስጕምቲ ንወራር’ ተባሂሉን፡ ነቲ ዞባ ብስግኣት ወጢርዎ ጸኒሑ እዩ። ከም ሳዕቤኑ’ውን፡ ንሓፈሻዊ ጸጥታዊ ኵነታት ኤውሮጳ ከናግዖ ከም ዝኽእል ይግምገም።