ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ዲሞክራሲን ንምድጋፍ ዝዓለመ ረቂቅ ሕጊ፡ ብኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰኔት ኣሜሪካ ትማሊ ድሕሪ ምጽዳቑ ሎሚ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኣሜሪካ ተመሪሑ።
እዚ፡ ኤስ3199 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ረቂቕ ሕጊ ‘The Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላትን ተሪር ማዕቀብ ንምንባር ዝተዳለወ እዩ።
ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰኔት ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰሉስ 20 መጋቢት 2014 ዓ.ም ነቲ ረቂቕ ሕጊ ኣመልኪቱ ዘተ ዘካየደ ኾይኑ፡ ናብ ምሉእ ሰኔት ኣሕሊፍዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ረቂቕ ሕጊ ዘተኣታተወ፡ ሴናተር ኒው ጀርሲ ዝኾነ ሮበርት መንደዝ እዩ።
ኤስ 3199፡ ብ 25 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ናብቲ ሰኔት ቀሪቡ እዩ ናብ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ተመሪሑ፣ ኣብኡ ዘተ ምስ ተኻየደሉ ድማ ናብቲ ቀጻሊ መስርሕ ሓሊፉ ዘሎ።
እቲ ረቂቕ ሕጊ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ዝረቐቐሉ እዋን፡ ኲናት ኢትዮጵያ መልክዑ ቀይሩ ይቕጽል ከም ዘሎ ኣባል እቲ ባይቶ ጂም ሪሽ ገሊጹ።
BBC TIGRINJA