ኣብ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት 5000 ህጻናት ብዘይ ወለዶም ከም እተዘናበሉ ህጻናት ኣድሕን ዝተባህለ ናይ ረድኢት ትካል ገሊጹ።
ብዙሓት ካብዚቶም ናብቲ ተመዛበልቲ ብግዜያውነት ኣዕቊቦምሉ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲን ካልእን ከም ዝበጽሑ ድማ ተገሊጹ።
ሰባኣውያን ትካላት ንዝበዝሑ ክፋላት ክልል ትግራይ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን ህጻናት ብዘይወለዲ ከም ዝተረፉን ተመልኪቱ።
ኲናይ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንደሓር ዛጊት 1.7 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው እነበኣሰ ምምጽኡ ከተሓሳስብ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ዋላኳ ልክዕ ኣሃዛት ኣይሃሉ ኣዝዮም ብዙሓት ህጻናት፥ ነፍሰጾራትን ደቀን ዘጥብዋን ኣዴታት ትግራይ ብሕጽረት መኣዛታት ይሳቐዩ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።