Källa BBC TIGRINJA
ንዝሓለፉ 17 ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ዝርከብ ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት ወለዲ ናይቶም ክዓጥቁ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ መንእሰያት ይኣስር ከም ዘሎ ገለ ግዳያት ተዛሪቦም።
ህወሓት ብወገኑ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ተግባራት ጠጠው ኢሎም’ዮም ይብል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ተወላዲ ትግራይ ቈልዑ ንክዓጥቑ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ኣቡኡን ኣኩኡን ከም ዝተኣሰሩ ገሊጹ።
እዚ ሕጂ ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝርከብ ትግራዋይ “ንኣቦይ ወድኻ ኣምጽእ ኢሎምዎ፤ ክህቦም ስለ ዘይኽኣለ ግን ንሓደ ወርሒ ኣሲሮምዎ። ድሕሪኡ ፈቲሖምዎ ነይሮም፤ ሕጂ ዘለወሉ ኩነታት እኳ እንተዘይፈለጥኩ፡ ንመወዳእታ ግዜ ብስልኪ ክረክቦም እንከለኹ ግን ንኣቦይ ኣሲሮምዎ ነይሮም” ኢሉ።
ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ ንኡሽቶ ሓፍቱ ክትዓጥቕ ድልየት ስለ ዘይብላ ኣዲኡ ከም ዝተኣሰረት ገሊጹ።
ቢቢሲ፡ ወላዲትካ ኣብ ትግራይ ከምዝተኣሰራ ዝገልፅ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዘራራቢ ዛዕባ ኮይኑ’ሎ። እዚ ሓበሬታ ሓቂ ድዩ ካብ ዝብል ሕቶ ክንፍልም?
ክብሮም፡ ከም ኣጋጣሚ ‘ጠሚና’ ክብል ዝደወለለይ ቤተሰብ ነይሩ። ጉዳይ ዓዲ ከረጋግፅ ከለኹ ድማ ከምዝተኣሰረት ነጊሩኒ። ከም ዝተኣሰረት ኣረጋጊፀ ኣለኹ። ብጣዕሚ ሓዚነ፤ ኣይተፀበኽዎን።
ብርግጽ ኣዴታት ትግራይ ይእሰራ ከም ዘለዋ፤ ዩኒቨርሲቲታትን ኣብያተ ትምህርትን መእሰሪ ኣዴታት ኮይነን ከም ዘለዋ ሓበሬታ ኣለኒ። ኣብ መቐለ ከይተረፈ ኣብያተ ትምህርቲ መእሰሪ ኮይነን ኣለዋ።