ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ዕዳጋታት ሽቕለት ዓቢ ዝኾነ ኣሉታዊ ጽልዋ ከስዕበሉ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ኣብ ፋብሪካታት ዝሰርሑ መንእሰያትን ውሱን ሰዓታት ዝሰርሑ ሰባትን እቶም ቀንዲ ስርሖም ከይስእኑ ኣብ ሓደጋ ዘለዉ እዮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ኣብ መንጎ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዘሎ ፍልልይ ክገፍሕ ከምዝኽእል ኣብ ፍልይ ዝበሉ ንድፍታት ምርኩስ ብምግባር ትንታነታት ዘቕርብ መዓል መዚ ሓቢሩ።
ዘለዉን ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ፡ ብሰንኪ ናይ ሽቕለት ዕድላት ምንቁልቋሉ እቲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝነበረ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ክገፍሕ ከምዝኽእል ሜድየሽን ኢንስቲትዩት (Mediation Institute) ዝተባህለ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ይርከብ።
ቅድሚ እዚ ቅልውላው ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝነበረ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ካብቲ ኣብ ዓመተ 2018 ዝነበረ ብ 0.8% ብምጉዳሉ ኣብ ዓመተ 2019 እቲ ፍልልይ 9.9% ከም ዝነበረ ይዝከር። ብጠቕላላ ክረአ እንከሎ ካብ ዓመተ 2007 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጾታታት ዝነበረ ናይ ደሞዝ ፍልልይ ብ 6.5% ከምዝጎደለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ክልቲኦም ጻታታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስራሕ ስለ ዝነጥፉ እቲ ፍልልይ ክረአ ክኢሉ። ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ፡ ጾታዊ ፍልልይ እናጎደለ ምስ ዝመጽእ፡ ብመንጽሩ ድማ ፍልልይ ናይ ደሞዝ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ጾታታት እናጎደለ ከም ዝመጽእ ዘይሰሓት ሓቂ ክኸውን እዩ።