ቃንዛ ርእሲ ማለት ብቅድሚት ፡ ብድሕሪት ፡ ብየማን ወይ ድማ ብጸጋም ናይ ርእስኻ ብኸፊል ይኹን ወይ ብምልኡ ዝስምዓካ ቃንዛ ኢዩ ። ቃንዛ ርእሲ ብውጥረት(ጭንቀት) ፡ ብድኻም (ስእነት ዕረፍቲ )፡ እኹል ዝኾነ ድቃስ ዘይምርካብን ውሽጥኻ ርጉእ ዘይኮነ መንፈስ ምስ ዝህልወካ ወይ ግጉይ ዝኮነ ኣመለኻኸት ምስ ዝህልወካን ወዘተ. . . ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ተኸቲሉ ዝመጽእ ቃንዛ ኢዩ ። ብተወሳኺ ውን ብብዝሒ ናይ ቃንዛ ከኒናታት ( መድሃኒታት) ብምውሳድ ንቃንዛ ርእሲ ክትቃላዕ ትኽእል ኢኻ ።
ንስኻ ብገዛእ ርእስኻ እንታይ ክትገብር ኣለካ ?
– እኹል ዝኮነ ድቃስ ክትድቅስ ኣለካ ።
– ንጹህ ወይ ጽሩይ ኣየር ክትረክብ ኣለካ ።
– ኣካላዊ ምንቅስቃስ ንኣብነት ከም ብእግርኻ ምንቅስቃስ ፡ ብሽክለታ ምዝዋርን ካልእ ዝተፈላለዩ ዓይነት ስፖርትታት ምዝውታር ።
– ለውጥታት ወይ ኣማራጽታት ምፍታሽ
– ዝኮነ ዓይነት ሽግር እንተድኣ ኣለካ ብዛዕባ ሽግራትካ ምስ ሰባት ( መቅርብካ ) ተዘራረብ ።
– ፓራሴታሞል ( ፈውሲ ቃንዛ ) መድሃኒት ውሰድ ።
– ሽጋራ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምስታይን ኣቋርጽ ።
መብዛሕትኡ ግዜ ቃንዛ ርእሲ እንተድኣ ኣለካ ናብ ሓኪም ምኻድ ኣገዳስነት የብሉን, ግን ከም እዚኦም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ተወሰኽቲ ስምዒታት ወይ ምልክታት እንተድኣ ኣለዉካ ናብ ሓኪም ክትከዪድ ኣለካ ።Ø
1 ብጣዕሚ ከቢድ ዝኾነ ቃንዛ ርእሲ እንተድኣ ኣለካ ።
2 ተምላስ እንተድኣ ኣለካ ።
3 ረስንን ኣብ ቆርበትካ ደቀቅቲ ቁስልታት እንተድኣ ኣለካ ።
4 ጽቡቅ ክትርኢን ክትዛረብን እንተዘይክኢልካ ።
5 ከተስተንፍስ
ከለኻ ሕጽረት ምስትንፋስ ምስ ዝገብረልካ ።
6 የእዳውካን
የእጋርካን
ብግቡእ ምትቅስቃስ ምስ ዝኣብየካ ።
7 ቅድሚ ሕጂ ከቢድ ዝኮነ ቃንዛ ርእሲ እንተ ድኣ ኔሩካ ወይ ዝኮነ ዓይነት ምስ ርእሲ ዝተኣሳሰር ሓደጋ ኣጋጢሙካ እንተድኣ ኔሩ ናብ ሓኪም ክትከዪድ ኣለካ ።