ብዝሒ ቁጽሪ ናይቶም ልዕሊ 100 ዓመት ዝዕድሚኦም ጃፓናውያን 86,510 ከምዝበጽሐ ጃፓን ቱደይ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፤ እቲ ቁጽሪ ብ 2 ሽሕ ምውሳኹ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ፤ 88.4% ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ኣብ ዓመተ 1963፤ ሰብ መዚ ጃፓን፤ ንፈለማ እዋን ቆጸራ ናይ ዕድመ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፤ ቁጽሪ ናይቶም ልዕሊ ፩ ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት 153 ጥራይ ምንባሩ ይዝከር። ጃፓን፤ ብሰንኪ ኣብ ጽላት ሕክምና ብዘርኣየቶ ምዕባለታት፤ ኣብ ዓመተ 1998፤ እቲ ቁጽሪ፤ ናብ 10 ሽሕ ክብ ክብል ክኢሉ።
ሃገረ ጃፓን፤ ሓንቲ ካብተን ብዕድመ ዝደፈኡ ሰባት ዘለወን ሃገራት እያ። ማእከላይ ዕድመ ናይ ህዝቢ ጃፓን፤ ናይ ደቂ ኣንስትዮ 87.74 ዓመት፤ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ድማ 81.64 ዓመት እዩ።
ኣብ ዓለምና፤ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ዝኾነት ሰበይቲ፤ ኣብ ፉክ ዎካ እትነብር ኮይና፤ ዕድሚኣ ድማ 118 ዓመት እዩ።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾነ ሰብኣይ ድማ፤ ጃፓናዊ ኮይኑ፤ ዕድሚኡ ድማ 111 ዓመት እዩ።