ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ዝወሓደ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ከመዝግብ ትጽቢት ይግበር። እዚ ቁጽሪ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 20 ዓመታት እቲ ዝወሓደ ምዃኑን ወጻኢታት ኢሚግሬሽን ድማ ብኡ መንጽር ክጎድል ከምዝኽእል እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተገምገመ ቁጽሪ (13000) ብቑሩብ ብምዝያድ ክሳብ 13,500 ክበጽሕ እዩ ክብል ኣብ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ሓላፊ ውጥናት ዝኾነ ሄንሪክ ሆልመር፡ ሓቢሩ።
ቀንዲ ምኽንያት ምጉዳል ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ፡ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝተመሓላለፈ ዓለም ለኻዊ ቀይድታት መገሻ እዩ። እቶም ብማእከላይ ባሕሪ፡ ብመንገዲ ጀላቡ ዝሰግሩ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ካብ ከም በዓል ዓዲ ጣልያንን ግሪኽን ዝኣመሰላ ሃገራት ኤውሮፓ ናብ ካልእ ክሰግሩ ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝነበረ እዩ ክብል፡ ሆልመር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓመታዊ፡ 5000 ዝበጽሑ ስደተኛታት፡ እጃም በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ምዃኖም ኣፍሊጡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ እቲ ቁጽሪ ናብ 4500 ምውራዱ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ ዓመተ 2021፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ 18 ሽሕ ስደተኛታት ክቕበል መደብ ኣውጺኡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው፡ ኣንፈት ናይ ዝቕጽሉ መደባት ንምፍላጥ ከሸግሩና እዮም ክብል፡ ሆልመር፡ ስክፍትኡ ገሊጹ።
ክሳብ እዚ ሕጂ እዋን፡ ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መምርሒታት ስለዘየለ፡ በቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ግዚኡ ዘብቅዕ መምርሒታት ተኸቲልና ክንሰርሕ ኢና ክብል፡ ሆልመር፡ መግለጺኡ ዛዚሙ።