ቅዳሕ ቁርኣን እናቃጸለ ዘርኢ ቪድዮ ዝዘርግሐ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ጉጅለ ህዝቢ ጽልኢ ኣለዓዒልካ ብዝብል
ተኸሲሱ ጒዳዩ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ሊንሾፒንግ ክረአ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ። እቲ ቊርኣን እንተቓጸለ ብድሕረ-
ባይታ እስልማና ኣጸልኡ ሰባት ዘዘውትርዎ ደርፊ ይስማዕ ምንባሩ ኣብቲ ምስርሕፍርዲ ተገሊጹ። እቲ መንእሰይ ነቲ ቊርኣን ድሕሪ
ምቅጻል ነቲ ሓሙኽሽቲ ኣብ ኣፍደገ መስጊድ ሊንሾፒንግ ከም ዝብተን ጌሩ። ኣብ እዋን ፍርዲ፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ ዘኽሰሶ ጒዳይ
ምቅጻል ቊርኣን ብዓንደርእሱ ዘይኮነ፥ ብፊልም ከም ዝስነድ ምግባሩ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣብ ኒውዚላንድ ኣብ ልዕሊ ሓደ
መስጊድ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ዝተፈነወ ሙዚቃ ምጥቃሙ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። እቲ መንእሰይ ነቲ
ገበን ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ብምሃብ ይግባይ ክብል ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽወደን ምቅጻል ቁርኣን ውዑይ ኣርእስቲ ኮይኑ’ዩ ሓሊፉ። እዚ ፍጻመ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣስላም ቁጥዐ
ኣብ ልዕሊ ምስዓቡ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ሽወደን ኣብ ሓደጋ ምእታው ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሽወደን ሓሳብካ ብናጽነት ናይ
ምግላጽ መሰለ ኣዝዩ ርሒብን ሕጋዊ ድጋፍ ዘለኦን ብምዃኑ ፖሊስ ምቅጻል ቁርኣን ክከላኸሉ ዘኽእል ሕጋዊ መሰረት የብሎምን።
እንተኾነ ግና ሃይማኖታዊ ጽሑፍ ምቅጻል ኣብ ገለ ጉዳያት ብሕጊ ገበን ጽልኢ ክኽሰስ ይኽእል’ዩ።