ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ተሰናቢታ። እተን 45 ትራስ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐትለን መዓልታት ዕግርግር
ዝመልአን ምንባረን ዝገለጸት ሬድዮ ቢቢሲ፡ በዚ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ወርሒ ካልኣይ ምርጫ መሪሕነት ክግበር ምዃኑ ወሲኻ
ኣመልኪታ። ኣብ ቊጠባዊ ውጥና ብምኽንያት እተኸስተ ለውጢታትን ስዒቡ ዝመጻ ጸቕጢ ኣባላት ቶሪን ስልጣና ብፍቓዳ
ዝሓደገት ትራስ፡ ተካኢኣ ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ክምረጽ ምዃኑ ሓቢራ’ላ። ትራስ ኣብ ኣፍደገ “ዳውኒንግ ስትሪት” ኣብ ዝሃበቶ
ሓጺር መደረ፡ “ዓቃባዊ ሰልፊ ቀረጽ ከተጒድልን ቊጠባዊ ዕቤት ከተመዝግብን ብዝብል ሓደራ ን መዝነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር
እኳ እንተመረጽዋ፡ ነዚ ከተማልእ ከም ዘይከኣለት” በዚ ድማ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ምውራዳ ኣብሪሃ’ላ።
ድሕሪዚ መደረ ትራስ ህጹጽ ሓፈሻዊ ምርጫ ክካየድ፡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ኬር ስትራመርን ካልኦት ተቓወምቲ ሰልፊታትን ጸዊዖም
ኣለዉ። እዚ እናኾነ ተካኢኣ ብ ንጉስ ቻርለስ ብዕሊ ተሰዪሙ ክሳብ ስልጣና ዝርከባ ኣብ ቦትኣ ክትጸንሕ እያ–ብመሰረት ጸብጻብ
ሬድዮ ቢቢሲ።