ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መንጎ ሃገራት ኣውሮጳ ዝህሉ ሓድነት ኣትሒቱ ከም ዝገመቶ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ትማል ሰኑይ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ገሊጻ።
“ፑቲን ንሩስይ ናብ ተነጽሎ ይወስዳ ኣብ ዘለወሉ እዋን ንሕና ግና ንኣህጒርና ኣውሮጳ ናይ ሓባር ድሕነትናን ኣህጒራዊ ምትሕብባርን ብምፍጣር ነሐይላ ኣሎና” ክትብል ኣንደርሾን ብ በርሊን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ምስ ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድን ዘተኰረ ዘተ ከም ዘካየደትን ጀርመን ኣገዳሲት መሓዛ ሽወደን እያ ኢላ ምጥቃሳን ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ’ላ።