ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ፡ ቻንስለር ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ሰልፉ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝተፋነወ ጋዜጣ Die Presse newspaper ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰንኪ ክሲ ብልሽውና፡ ካብ መዝነት ቻንስለር ከም ዝተፋነወ ይዝከር።
ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡ ሰባስትያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፉ ÖVP ን ካብ ኣባልነት ሃገራዊ ሽማግለን ክፋኖ ምዃኑ ንኣባላት ሰልፉ ከምዝሓበረ ገሊጻ።
ሰባስትያን ክሩዝ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት 11፡30 ቅ.ቐ.፡ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ጋዜጣ APA ገሊጹ።
ብመሰረት ጋዜጣ Die Presse newspaper ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኦስትርያ፡ ካርል ነሃመር፡ መራሒ እቲ ሰልፊ ክኸውን ምዃኑ ትገልጽ። ካርል ነሃመር፡ ንመዝነት ቻንስለር ካብ ኢድ ሰባስትያን ተረኪቡ ዘሎሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኦስትርያ፡ ኣሌክሳንደር ሻለንቤሪ፡ ካብ መዝነቱ፡ ክኣልዮ ከምዝኽእል ይንገር።