ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሶን ትማሊ ረቡዕ ምሸት ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ብምርኻብ ሽወደን ናብ
ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ብዛዕባ እትኣትወሉ ጒዳይ ኣመልኪቱ ተዘራሪቡ። እዚ ኣኼባ ኣብ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ንሽወደን ሓድሽ
ጸዓት ክህብ ከም ዝኽእል፥ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ዝርከብ “ትካል ምምኻር ኣትላንቲክ ካውንስል” ዳይረክተር ሰሜን ኤውሮጳ
ዝኾነት ኣና ዊስላንደር ገሊጻ’ላ።
እዚ እናኾነ ሽወደን ዘእተወቶ ሕቶ ኣባልነት ኔቶ፡ ን ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ቪልኒየስ ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዓቢ ዋዕላ ኔቶ ኣቐድም
ኣቢሉ ብቱርክን ሃንጋሪን ክጸድቕ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ’ሎ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ቅድሚ’ቲ
ኣብ 11ን 12ን ሓምለ ዝካየድ ዋዕላ ቪልኒየስ ኣብ ብራስለስ ምስ መዘናታቱ ሚኒስተራት ቱርኪን ፊንላንድን ክራኸብ’ዩ። ቱርክ
ኣብ ሽወደን ዝቕጽል ዘሎ ንጥፈታት ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርድ PKK ፣ ከምኡ’ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ስቶክሆልም
ዝተፈጸመ ምንዳድ ቁርኣን ከም ምኽንያት ብምጥቃስ ንኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ገና ኣየጽደቐትን። ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ቱርክ
ነበር ማይክል ሳህሊን፥ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ካብዚ ምርኻብ ብዙሕ ሓድሽ ነገራት ኣይጽበን እየ፥ ፡ እንተኾነ ግን
ሕጂ ብዙሕ ሕቶታት ይለዓል ብምህላዉ እንታይ ከም ዝፍጠር ብልክዕ ምትንባይ ኣሸጋሪ እዩ" ኢሉ።