ቀዳማይ ሚኒስተር ማሊ ነበር: ሞቢዬ ማይጋ: ቅድሚ ሽወዓተ ዓመት ምስ ዝሽመታ ናይ ፕረዚደንት ነፋሪት ብዝተተሓሓዘ ክሲ ብልሽውና ቀሪብሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እዚ ትማሊ: ዝተፈጸመ ምቅያድ ሞቢዬ: ከምቲ መንግስቲ ዝብሎ ንጹር ከም ዘይኮነ ጠበቓኡ: ቃስም ታፖ: ሓቢሩ’ሎ።
እታ ዝተሸመተት ነፋሪት ካብ ዋግኣ ንላዕሊ ከም እተገዝአት ብምምሳል ገንዘብ መንግስቲ በሊዕካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ከም ዘሎ እዩ ኣኽባር ሕጊ ዝገልጽ። ኣብ 2014: እዛ ነፋሪት ክትሽመት እንከላ ንሱ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር እዩ ኔሩ።
እታ ምኽንያት መኽሰሲቱ ኮይና ዘላ ነፋሪት: ብ 40 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአት ኮይና: እዚ ዝተጋነነ ዋጋ እዩ ክብሉ ሰብመዚ ክነቕፍዎ ምጽንሖም ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ማሊ ብዝተላዕለ ዕግርግር ስልጣኑ ባዕሉ ክሳብ ዝሓድግ: ማይጋ: ኣብ ዓመታት 2017-19 ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።
ኣብ 2020 ብ ቦቡ ሲሴ ከም ዝተተክአ ድማ ይፍለጥ።