ዜጋታት ረጒድ በረድ ግድነት ሓደጋ ኣየስዕብን እዩ ኢሎም ከይደናገሩ ቀይሕ መስቀል ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሰፍሐ ክፋል እታ ሃገር አሎ ጽቡቕ ኲነታት ኣየር ን ኲነታት እቲ በረድ ከም ዝጸልዎ እውን ኣመልኪቱ። “ወቕቲ ዊንተር ክጅምር እንክሎ ሓሙሽተ ሰምቲሜትር ዝርጒዱ በረድ ን ስፖርት ምንሽርታት ጽቡቕ እዩ፡ ምኽንያቱ ጥንኲርን ውሑስን ስለ ዝኾነ። ኣብ ምውዳእ እቲ ወቕቲ ግና እቲ ኲነታት ምሉእ ብምሉእ እዩ ዝቕየር” ክብል ኖርወይ ሀንሪክ ሆይሎ ካብ ቀይሕ መስቀል ኣጠንቂቑ። ዋላኳ እቲ በረድ ጽቡቕን ውሑስን ዝመስል እንተኾነ ሓደ ሓደ እዋን ተነቃፊ ኮይኑ ክነቅዕ ይረአ እዩ። እዚ ኣብ 20-30 ሴንቲሜተር ርጒዲ ዘለዎም በረዳት እውን ከጋጥምን ከውድቐካን ይኽእል እዩ ክብል ሆይሎ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ። በረድ ኣብ ዝመልኦ ቦታታት ንምዝንጋዕን ዙረትን ዝመጹ ሰባት ኣድላዪ ናይ ውሕስነት ዕጥቂታት ክማልኡ እውን ኣተባቢዑ። ብዚ ዝሳተፍ ሰብ እንድሕሪ ወዲቑ ርእሱን ካብ ከስዐኡ ንላዕሊ ዘሎ ክፋል ኣካላቱን ካብ ማይ ንላዕሊ ክገብአ እውን መኺሩ’ሎ።