ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ኦዲቫላ፡ ነቲ ብቕትለት ዓርኩ ነበር፡ ፊልማ ኣንደርሰን (17 ዓመት)፡ ተኸሲሱ ዝነበረ ቲሽኮ ኣሕመድ (23) ንሕልፈት ከምዝፈረዶ TT ኣቃሊሑ።
ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ኦዲቫላ፡ ነቲ መንእሰይ ብገበን ቅትለት ምስ ከሰሶ፡ ስነ-ኣእምራዊ መርመራ ንኸካይድ ናብ ሕክምና ሰዲድዎ ምንባሩን እቲ መንእሰይ፡ ስነ-ኣእምራዊ ጸገም የብሉን ዝብል ናይ ሕክምና ውሳነ ከምዝተረኽበ ይዝከር።
ጉዳይ ቅትለት መንእሰይ ፊልማ፡ ዓቢ ኣቓልቦ ህዝቢ ሽወደንን መርበብ ሓበሬታን ረኺቡ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
መንእሰይ ፊልማ ኣንደርሸን፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር/2019፡ ካብ ኦዲቫላ ብዘይ ዝኾነ ምልክት ከምተሰወረትን ፖሊስን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወለንተኛታትን ንምድላያ ተዋፊሮም ነይሮም። እቲ ናይ ምድላይ ፍጻሜ ድማ ኣብ መላእ ሽወደን እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ምንባሩ ይዝከር።
ድሕሪ 9 መዓልታት፡ ፖሊስ፡ ንርእሲ ፊልማ ኣብቲ ብሓባር ምስ ዓርካ (ቲሽኮ) ዝነብርሉ ዝነበሩ ገዛ፡ ኣብ ናይ መገሻ ቦርሳ ብጥንቃቐ ተጠቕሊላ ረኸባ። ናይ ቲሽኮ ምልክታት ኣጻብዕቲ ውን ኣብቲ መጠቕለሊ ከምተረኽበ ተረኽበ ይፍለጥ። ንዝተረፈ ኣካላት ፊልማ ብዝምልከት ግን ኣበይ ቦታ ከምዘሎ ክሳብ ሕጂ ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።
ብዙሓት መሰኻኽር፡ እቲ ገበነኛ፡ ዓብላልን ተጻባእን ባህርያት ከምዝነበሮ ይሕብሩ።
ቲሽኮ፡ ቀናእን ዓብላልነት ዝፈቱን ሰብ እዩ። ንፊልማ ክከታተላ እዩ ዝውዕል ነይሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ምስጢራዊ ቃል (pass word) ናይቲ ኣብ ማሕበርዊ መራኸብታት ትጥቀመሉ ሒሳባታ ዝውንን እዩ ነይሩ። እንታይ ከምትኽደን ዝውስንን ናበይ ቦታ ከምትንቀሳቐሰት ዝሕብር ኣፕሊከሽን ገይሩ ድማ ይከታተላ ከምዝነበረን ክትብል ሓፍቲ ፊልማ ገሊጻ።