ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ብቤት ፍርዲ፡ ገበነኛ ኮይኑ እተረኽበ ፖሊስ ሚንያፖሊስ ነበር፡ ደሪክ ሾቪን፡ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ክካየድሉ ጠሊቡ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ልዕሊ ክሳድ ጆርጅ ፍሎይድ ን9 ደቓይቕ ብብርኩ እናረገጸ ብቪድዮ መርትዖ ዝቐረበሉ ሾቪን፡ ብቕትለት ገበነኛ እዩ ከም እተባህለ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ጠበቓኡ ንሾቪን፡ ግቡእ መስርሕ ፍርዲ ኣይረኸበን ብምባል ጉዳዩ ዳግማይ ክረአ ጠለብ ኣቕሪቡ’ሎ።
ድሕሪ እቲ ዝተዋህበ ብይን፡ ይግባይ ክቐርብ ምዃኑ ትጽቢት እትገብረሉ እኳ እንተኾነ፡ ንብይን ቤት ፍርዲ ክቕየር ዘይሕሰብ እዩ ክትብል ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ ንክኢላታት ሕጊ ብምጥቃስ ሓቢራ’ላ። ደገፍቲ ሾቪን፡ ነቲ ዳኛ ኣብ መበል 57 ዓመት ጽንብል ሲቪላዊ መሰላት ተሳቲፉ ኔሩ እዩ ብምባል ሻራ ዘይብሉ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ዝብል መከላኸሊ ኣቕሪቦም ኣለዉ። እዚ ኣብ ዓሌታዊ ታሪኽ ኣመሪካ ነጥበ መቐይሮ ምዃኑ እትነገረሉ ፍርዲ ብዙሓት ኣመሪካውያን ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ በዚ ገበን ሾቪን ክሳብ ናይ 40 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ። ሾቪን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክፍረድ እዩ።