መንግስቲ ሽወደን፡ ንክፍሊት ቀረጽ ናይ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክውስኽ መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ። እቲ ወሰኽ ቀረጽ፡ ንናይ ዓመተ 2023 ዝግበር ዘገምታዊ ምወላ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ንምሽፋን ዝውዕል ምዃኑ ድማ ኣፍሊጡ።
ወስኽ ቀረጽ፡ ንዋጋ ጥርሙዝ ወይኒ፡ ኣብ ዓመተ 2023፡ ብሓደ ክሮን ክውስኾ ማለት እዩ። ገምጋም ወሰኽ ዋጋ ቢራ ድማ 25 ኦውራ ክኸውን እዩ።
ንወጻኢታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ንምሕጋዝ፡ ቀረጽ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን፡ ንምውሳኽ ከም ቀንዲ ኣርእስቲ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ምንባሩን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣብ መደምደምትኡ ከምዝበጽሐ ተፈሊጡ።
ኣብ ዓመተ 2019፡ መንግስትን ሰልፍታት ሞደራትናን ሰንተርን፡ ካብ 2022 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ዘገምታዊ ምወላ ሚኒስትሪ ምክልኻል ንኸካይዱ ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር። ኣብ ዓመተ 2022 ዝግበር ዘገምታዊ ምወላ ናይ 5 ቢልዮን ክሮነር፡ መንግስቲ፡ ካብ ባንክ ብዝእክቦ ግብሪ ክሽፍኖ ምዃኑ መዲቡ ኣሎ። ንናይ 2023 ዝግበር ዘገምታዊ ምወላ ናይ 5 ቢልዮን ክሮን፡ ብኸመይ ከሽፍኖ ምዃኑ ሃሰስ ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ግና ብወሰኽ ቀረጽ ናይ ኣልኮላዊ መስተን ትምባኾን ክሽፍኖ መዲቡ ምህላዉ ሓቢሩ።
እዚ ወሰኽ ቀረጽ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2023፡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ይሕበር።