ወዲ ሰብ መዓልታዊ ኣብ መግቢ ዝጥቀመሎም ሓያሎ ቀመማትኣለዉ። እዞም ቀመማት’ዚኦም ብትኽክል መግቢ ኢዮም ክንብሎም ግና ኣይከኣልን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ንሰብነትና ዝህብዎ ሓይሊ ወይ ትሹታትና ንምህናጽ ዘበርክትዎ ጥቕሚ ዝጥቀስ ስለ ዘይኮነ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ሰብነትና ገለ ንጥፈታት የካይዱ ኢዮም። ሓደ ካብኡ ኣካላትና ንጡፍ ከም ዝኸውን ይገብሩ።
ቀመም ምስ ካልእ መግቢተሓዊሱ ዝውሰድ ሳብስታንስ ኢዩ። ጨው፡ በርበረ፡ ኒኮቲን፡ ካካዋ ….ወዘተ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።
ጨው ቀመም ኢዩ ምባልና ኩልኹም ምሳና ትሰማምዑ ትኾኑ። ምኽንያቱ፡ ጨው ዝተወሰነ ጣዕሚ ኢዩ ዘለዎ። ጨው ከም ቀመም መግብታትና ፍሉይ መቐረት ከም ዝህልዎ ይገብር። እዚ ይኹን’ምበር፡ ጨው ካብ ከም ቀመም፡ ብኻልእ መዳያቱ ንሰብነትና ዝህቦ ጥቕሚ ይልዕል። ብዘይ ጨው ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና።
ካልኦት ቀመማት ንሰብነትና ዝህብዎ ጥቕሚ ካብ ጨው ዝተፈልየ ኢዩ። መብዛሕትኦም ካብቲ ዝህቡና ጥቕሚ ጉድኣቶም ኢዩ ዝበዝሕ። ዳርጋ ኩሎም ድማ ንቐጸላታት ከስዐና ክልሕጹን ከቃጽሉን ዝተዋፈሩ ኢዮም እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።
ቀመም እንጥቀም፡ ግላዊ ጣዕሞም ስለዝስሕበና ጥራይ ዘይኮነ፡ ንነርቭታት ኣፍ፡ መልሓስን
ኣፍንጫን ስለ ዘነቓቕሑ’ውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሸውሃት’ውን ይኸፍቱ ኢዮም።
እዚ ጥራሕ ኢዩ እቲ ካብ ቀመም ክንረኽቦ እንኽእል ጥቕሚ።
ምንጪ፦ Nutrition and Health