ሩስያ ን መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ኢላ ን ዩክሬይን እንድሕሪ ወሪራ ኣብ ልዕሌኣ ህጹጽ እገዳታት ክወርድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ ዝኾነ እዋን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣመሪካ ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን ሰራዊታ ብምስፋር ፈጢራቶ ዘላ ጸጥታዊ ቅልውላው እንድሕር ደው ዘይተብሎ ኮይና ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ህጹጽ እገዳታት ክወርድ እዩ ክብል ቻንስለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ ትማል ሰንበት ኣብ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሾልዝ ነዚ ዝበለ ነዚ ቅልውላው ኣመልኪቱ ንምዝርራብ ናብ ርእሰ ከተማታት ዩክሬይንን ሩስያን ኣብ ዝገበሮ ምብጽሓት እዩ። ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ንዩክሬይን ክትወራ ከም እትኽእል Der Spigel ዝተባህለ ማዕከን ዜና ን ስለያዊ ምንጪታት ብምጥቃስ ብ ዓርቢ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ኔሩ እዩ። ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓ እኳ እንተሃለወት ነታ ሃገር ናይ ምውራር ምንም ውጥን ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።