ሽወደን ጾታዊ መንነት ግብረሰዶማውያን መንእሰያት (LGBTQI) ንምልዋጥ እትገብሮ ሕክምናዊ ፍወሳ ደው ከተብሎ ካብ ዝበዝሓ ፖለቲካውያን ሰልፊታት እታ ሃገር ጻውዒት ይቐርበላ ኣሎ ተባሂሉ።
ማእከላይ ዓቓባዊ ከምኡውን ማእከላይ ሰልፊታት ከምዚ ዝበለ ተግባር ፍወሳ ብሕጊ ዘሕትት ክኸውን ይጠልባ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ከምዚ ዝበለ ጻውዒት ብሰልፊ ሊበራል ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክግበር ምጽንሑ ዝገለጸት እታ ሬድዮ ኣባላት ባይቶ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ እውን እዚ ናይ ፍወሳ ተግባር ክእገድ ምጽውዖም ወሲኻ ኣመልኪታ። “ሕቶ ግብረሰዶማውያንን ካልኦት ሕዳጣን ጾታዊ ዝንባለታትን (LGBTQI) ኣብ ሽወደን ከም ሓደ ኣሻቓሊ ጒዳይ ዝለዓል እውን ኣይኮነን” ክብል ኣብ ማሕበር ግብረሰዶማውያንን ካልኦት ሕዳጣን ጾታዊ ዝንባለታትን (LGBTQI) ዳይረክተር መራኸቢታትን ሕጋዊ ጒዳያትን ፈሊክስ ኮኒግ ገሊጹ’ሎ።