ኣብ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን–ካቡል–ኣብ ኣተቘጻጸረሉ እዋን፡ ሽወደን ኣስታት 2,000 ሰባት ካብታ ከታማ ክግዕዙ ጌራ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ እተዳለወ ዝርዝር ኣስማት ዘይነበሩ ኣስታት 100 ሰባት ክስጐጒ ከም ዝኽእሉ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።
ኣስታት 400 ካብዞም ዝገዓዙ ሰባት፡ ተቐማጦን ዜጋታትን ሽወደን ኮይኖም፡ እቶም ዝተረፉ ሓለዋ ዘድልዮምን ምስ ሽወደን ገለ ምትእስሳር ዝጸንሖምን ኣፍጋናውያን እዮም። ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ኣብ እተቘጻጸረሉ እዋን፡ ዕግርግር ስለዝነበረ፡ ግቡእ ምጽራይ ምክያድ ከም ዘይተኻእለ፡ ኣብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ሓላፊ ሕጋዊ ጒዳያት ካርል በሲለስ ገሊጹ’ሎ።