እዚ ምዘና ብ ጒጅለ ምምኽኻር ቦስቶን (ቢሲጂ) ዝተኻየድ እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምዘና ዝተፈለለዩ ረቛሒታት ዘማልአ ኰይኑ ብፍላይ ቊጠባዊ ምርግጋእ፥ ወፍሪ፥ ጥዕናን ትምህርትን ዝርእይ እዩ። ሽወደን ሓሙሸይቲ ዝተሰርዐት ኰይና ቀዳመይቲ ኖርዌይ፥ ካልአይቲ ስዊትዘርላንድ ሳልሰይቲ ኣይስላንድ፥ ዴንማርክ፥ ሽወደን፥ ፊንላንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተኸታቲለን ክሳብ ሻብዐይቲ ተሰሪዐን ኣለዋ።
እዚ ስታቲስቲክስ ኣብ ቊጠባ፥ ወፍሪን ምርግጋእን ካልእ ከም እኒ ሽቕለት፡ ኣታዊ፥ ትምህርቲ፥ ትሕተ-ቕርጺ፥ ኣከባቢን ጀንደርን ዝመሰሉ 40 ንኡሳን መመልከቲታትን ዝሓቘፈ እዩ። ሃገራት ስካንዲናቭያ ኣብ መጠን ድሕነት ብፍላይ ኣብ ጒዳይ ማዕርነትን ትምህርትን ዝለዓለ ደረጃ ሒዘን ምጽንሐን ዝፍለጥ እዩ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 18 ምስርዓ እውን ኣብቲ ጸብጻብ ተመልኪቱ’ሎ። ምስ ሃገራት ሃገራት ኣዕራብ እትምደብ ኢማራት ኣብ ኣታዊ ዜጋታትን ደረጃ መነባብሮን ዝለዓለ ተርታ ምምዳባ ተፈሊጡ’ሎ። ቀጺላ ቐጠር ተሰሪዓ’ላ። ኣብ ዝተሓተ ደረጃ እተመደባ ሃገራት የመንን ቻድን እየን ተባሂሉ’ሎ።